ብትካል “ፕርይል ክራምዞኽ” (Pryl Kraamzorg) ዝወሃብ ብዝሐ-ባህላዊ ክንክን ሓራሳትን መባእታዊ ክንክንን።

ብትካል “ፕርይል ክራምዞኽ” (Pryl Kraamzorg) ዝወሃብ ብዝሐ-ባህላዊ ክንክን ሓራሳትን መባእታዊ ክንክንን።

ንሓራሳት ክንክን ዝገብራ ሰራሕተኛታትና፡ ብቐጸሊ፡ ንካብ ካልእ ሃገር ዝመጻ ስድራቤታት፡ ንኣብነት ስደተኛታት ወይ ንግዚኡ ብስራሕ ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ ዘለዉ ሰባት፡ ናይ ሓራሳት ክንክን ይህባ።
ንሕና፡ ንባህግታትን ድሌታትን ዓማዊልና ኣብ ግምት ንእቱ ኮይንና፡ ናይ’ታ ስድራቤት ባህላዊ-ድሕረ ባይታ ነኽብር።
ገለ ክፋል ናይ ዓማዊልና፡ ቋንቋ ኔዘርላንድ ወይ ኢንግሊዘኛ ስለዘይመልኩ፡ ከም ሰእላዊ መግለጽን ናይ መቶርገሚ ኣፕሊኬሽንን ዝኣመሰሉ ነገራት ብብዝሒ ንጥቀም። ኣብ’ቲ ምስ መወልዳን (ፈርሎስኩንድኸ) ዝግበር ቆጸራታት፡ ብቴሌፎን ተርጎምቲ ንጥቀም።
ብዘይካ እቲ ምስ ምእላይ እታ ኣደን ህጻንን ዝተኣሳሰር እንህቦ ሓገዝ ብተወሳኺ፡ ንዓማዊልና ነቶም ድሕሪ ናይ ሕርሲ ሰሙን (ክራም ቬክ) ስዒቦም ዝመጹ ነገራት ብግቡእ ነዳሉ። ንኣብነት፡ ምሃብ ሓፈሻዊ መብርሂ ብዛዕባ ቤት ምኽሪ ህጻናትን ወለድን (ኮንሳልታሲ ቢውሮ)።

ብዘይካ ዝተማልአ ክንክን ሓራሳት፡ እንተላይ ገለ ናይ ገዛ ስራሕ ምስራሕ ዝሓቖፈ፡ ኣብ ትካል  “ፕርይል” መባእታዊ ሓገዝ (ቫይክ ዞርኽ (ናይ ከባቢ ክንክን) ወይ “ኮርተ ዞርኽ” (ሓጺር ክንክን)) ክትመርጹ ትኽእሉ።
ነቲ መባእታዊ ሓገዝ እንተድኣ መሪጽኩም፡ እታ ክንክን ትህብ ሰራሕተኛ፡ ኣብ’ቲ ድሕሪ ሕርሲ ዘሎ ናይ ፈለማ ሰሙን፡ ብገምጋም ኣስታት 3 ሰዓት ኣብ መዓልቲ ናብ ቤትኩም ትመጽእ። ንሳ፡ መብርሂ ትህብ፡ ሕቶታት ትምልስን ነታ ኣደን ህጻንን ድማ ናይ ሕክምና ቁጽጽር ትገብረሎም። ንሳ፡ ኣብ ምሃብ ጸባ (ጡብ ኣደ) ሓገዝ ተበርክትን ንውላድኩም በኸመይ ኣገባብ ክትከናኸንዎ ከምትኽእሉ ኣስተምህሮ ትህብን። ንጥዕና ኣደን ህጻንን ትከታተልን ምስ ክፍሊ መወልዳን (ፈርሎስኩንድኸ) ድማ ትላዘብ። ኣብ መባእታዊ ሓገዝ፡ እታ ሰራሕተኛ ናይ ገዛ ስራሕ ኣይትዓምምን እያ።

Go back

Wil je meer weten over Pryl?

Neem gerust contact met ons op!

Volg ons op

Deze website gebruikt cookies. Deze cookies zijn anoniem en worden gebruikt voor statistische doeleinden. Meer informatie? Lees ons cookiebeleid.

Ik snap het